ናይ ጥንሲ ምኽሪ

ጥንሲ ሓጎስን ሰሓቕን ከምጽእ ይኽእል እዩ። ከከም ኩነታት ህይወት ግና ግርጭታት፣ ፍርሒ፣ ሓዘን ወይ ቅልውላው እውን ከለዓዕል ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ በዳሂ እዋን ንሕና ኣብ ጎንኹም ኣለና። ኣብዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ንሕብረኩም፣ ንመኽረኩምን ነሰንየኩምን፣ ካልእን፤ 

ምክልኻል

  • ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ
  • ናይ ንግሆ-ድሕሪ ከኒና
  • ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ምክልኻል

 

ውጥን ስድራቤት

  • ናይ ስራሕን ስድራቤትን ምትእስሳር
  • ብዘይፍቓድ ውላድ ኣልቦነት
  • ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ሕርሲ ቆልዓ ምስኣን

 

ጥንሲ & ሕርሲ

  • ምስ ለውጢ ምቅላስ
  • ሕጋውን ገንዘባውን ጉዳያት

 

ቅድሚ ሕርሲ ዝግበር መርመራ

  • ቅድመ ሕርሲ መርመራታት ናይ ምግባር ተኽእሎታት
  • ምስ ርኡይ ርኽበታት ምቅላስ

 

ምንጻል ጥንሲ

  • ውሳነ ምርካብ፤ ነቲ ጥንሲ ምቕጻል ድዩ ወይስ ምቁራጽ?
  • ካብ ምንጻል ጥንሲ ካለዕ ኣማራጺታት

 

ዘቤታዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ

  • ካብ ዓመጽ መውጽኢ መንገድታት
  • ጥርዓን ንምቅራብ ድዩ ወይስ ዘይምሃብ?
  • ኣየኖት ክኢላታት እዮም እውን ክሕግዙ ዝኽእሉ?
Schattenfigur Schwangerschaft

 

 

 

ጓል 16 ዓመትን ትሕቲኡን እንተኾንኪን ጥንሲ ከተቋርጽ እንተደሊኺን ምኽሪ ክትሓትቲ ኣለኪ። ኣብ Kanton Zug፡ ምኽሪ ኣብ eff-zett das fachzentrum እዩ ዝወሃብ።

ብኸመይ ትበጽሑና፤

 

ኣብ ኣእምሮኹም ዘሎ ዝዀነ ይኹን ነገር፤ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ክትዛረቡና ትኽእሉ ኢኹም። ብጥንቃቐን ብሚስጢርን ብዘይ ክፍሊትን ንመክር። ኣድላዪ እንተኾይኑ ተርጓሚ ክንጽውዕ ኢና። 

 

eff-zett እቲ ስፔሻሊስት ማእከል
Sexual- und Schwangerschaftsberatung (ጾታዊ ርክብን ጥንስን ዝምልከት ምኽሪ)
Tirolerweg 8
6300 Zug

 

ስልኪ 041 725 26 40
ኢ-መይል ssb@eff-zett.ch

 

ናይ ስራሕ ሰዓታት:

ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ጎንኹም ኣለና።
8:30 — 12 ቅ.ቀ
13:30 — 17 ቅ.ቀ